Här kan du läsa om den socialdemokratiska politiken i Västerås på fler språk än svenska. Längre ner på sidan finns också Socialdemokraternas plan för Sverige att läsa på sjutton olika språk!
ኩሉ ግዜ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ቬስተሮስ
ቬስተሮስ ሓያል ከተማ እያ። እዚ ግን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ሰባት ክንጸባረቕ ኣለዎ።
እዚ ማለት፡ ኩሎም ህጻናት ኣብ ውሑስን ጽቡቕን ቤት-ትምህርቲ ከምዝመሃሩ ምግባር እዩ። ሰባት ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ፡ ውሕስነት ክስምዖም ኣለዎ። ኣረጋውያን ክብሪ ዘለዎ ክንክን ክረኽቡ ኣለዎም። ከምኡ’ውን ኮሙን ምምሕዳር ከተማ ብሓላፍነትን ኣንዊሕካ ምሕሳብን ክምራሕ ኣለዎ።
ኣብዚ ናይ ስልጣን ዘበና፡ ካብቶም ዝገበርናዮም ዓበይቲ ወፍሪታት፡ ውሕስነት ምውሳኽ፡ ዶሞዝ ናይ መምህራን ኣብ ክልተ ደረጃ ምውሳኽ፡ ከምኡውን ዓይነታዊ ምምሕያሽ ኣብ ክንክን ኣረጋውያን ጌርና።
ንመጻኢ፡ ኣብ ቬስተሮስ ውሑስ ሕብረተ-ሰብ ንምፍጣር ጻዕሪና ክንቅጽል ኢና - ንኹሎም ኣብቲ ከተማ ዝነብሩ ህጻናት፡ ኣባጽሕን ኣረጋውያንን ትዂረት ዝገብር
ኣብ ቬስተሮስ ኩሉ ሰብ ውሕስነት ክስምዖ ኣለዎ
ምስ ፖሊስን ሲቪላዊ ማሕበራትን ሓቢርካ ብምስራሕ ውሕስቲ ቬስተሮስ ክንፈጥር`ዩ ባህግና። ነዚ ድማ ንመጻኢ ተስፋ ዝፈጥር ንኹሎም ህጻናትን መንእሰያትን ትርጉም ዘለዎ ናይ ድሕሪ-ትምህርቲ ንጥፈታት ብምፍጣርን ከምኡ ውን SAO-jobb ዝተሰምዩ ናይ ምቚጻር ስራሕ መደባት ጌርና ብርክት ዝበሉ ናይ ክራማት ስራሕን ናይ ልምምድ-ስራሕ ቦታታት ብምፍጣር ኢና ከነረጋግጾ እንኽእል።
ንትምህርቲ ህጻናት ዝውዕል 100 ሚልዮን
ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዝርከቡ ህጻናት 100 ሚልዮን ክሮነር ብምስላዕ ዝሓሸ ኩነታት ትምህርቲ፣ ውሕስነትን ምዕባለን ክንፈጥር ንሕልን። ቊጽሪ ብቑዓት መምህራን ብምውሳኽ፡ ጥዕና ተማሃሮ ውሑስ ምግባርን ነቶም ዝያዳ ደገፍ ዘድልዮም ተማሃሮ ትዂረት ዝገበረ ፍሉይ ጻዕሪታት ብምግባር፡ ነፍሲ-ወከፍ ቆልዓ ንኽዕወት ዘኽእሎ ርትዓዊ ዕድል ከምዝረክብ ምግባር
ንሰራሕተኛታት ትዂረት ዝገበረ ጻዕሪታት ብምክያድ፡ ክንክን ኣረጋውያን ውሑስ ምግባር
ዕላማና ኣብ ክንክን ኣረጋውያን ቀጻልነት ውሑስ ምምሕያሽ ምግባር እዩ፤ ኣረጋውያን ድማ ብውሑዳት ሌላን ምትእምማንን ዘለዎም ሰራሕተኛታት ዝያዳ ናይ ገዛ ክንክን ከም ዝረኽቡ ምግባር እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ተራ ተሓገግዝቲ-ነርስ ከምዝዓቢ ከምኡ ውን ምቹእ ናይ ስራሕ ቅድመ-ኲነት ብምፍጣር ጽልውኦም ከምዝዓቢ ከምኡ ውን ነቶም ሞያዊ-ምስክርነት ዘለዎም ተሓጋገዝቲ-ነርስ ደሞዞም ዘመሓይሽ ተበግሶታት ንውስድ።
ኣብቲ ኣብ 13 መስከረም ዝካየድ ምርጫ፡ ሓያል ዝኾነት ከተማ ቬስተሮስ ንምህናጽ፡ሓገዝ ድምጺኹም የድልየና ኣሎ። ድምጽኻ ወሳኒ ተራ ይጽወት እዩ።
ኩሉ ግዜ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ቬስተሮስ ደው ምስ በልና ኢና።

Here’s how we plan to make Sweden strong for you
- Arabiska - العربية Länk till annan webbplats.
- Assyriska/syrianska - ܣܘܪܝܝܐ / ܐܬܘܪܝܐ Länk till annan webbplats.
- Bosniska - Bosanski Länk till annan webbplats.
- Dari - دری Länk till annan webbplats.
- English Länk till annan webbplats.
- Farsi - فارسی Länk till annan webbplats.
- Finska - Suomi Länk till annan webbplats.
- Kurmanji - Kurmancî Länk till annan webbplats.
- Meänkieli Länk till annan webbplats.
- Nordsamiska - Davvisámegiella Länk till annan webbplats.
- Polska - Polski Länk till annan webbplats.
- Serbiska - српски Länk till annan webbplats.
- Somaliska - Soomaali Länk till annan webbplats.
- Sorani - سۆرانی Länk till annan webbplats.
- Spanska - Español Länk till annan webbplats.
- Svenska Länk till annan webbplats.
- Tigrinja - ትግርኛ Länk till annan webbplats.
- Turkiska - Türkçe Länk till annan webbplats.
